ተገንዝቦኣዊ ዘይምቅዳው
ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብ ዘጋጥሙና ጸገማት ሓደ፡ ተገንዝቦኣዊ ዘይምቅዳው(Conginitive Dissonance) እዩ። ካብቲ ዝዓበየሉ ባህሊን ልምድን፡ሃይማኖት፡ መነባብሮ ፍልይ ዝብል ምስዘጋጥሞ፡ ክደናገር ትዕዘብ። ሓድሽ ነገር ንምቕሳም እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ንምእላይ ኣዝዩ ይሽገር። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሉይን ሓድሽን ስለዘይሳነዩ።
TIGRIGNA
ሃብቶም ከሓሰ
10/22/20241 min read
ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብ ዘጋጥሙና ጸገማት ሓደ፡ ተገንዝቦኣዊ ዘይምቅዳው(Conginitive Dissonance) እዩ። ካብቲ ዝዓበየሉ ባህሊን ልምድን፡ሃይማኖት፡ መነባብሮ ፍልይ ዝብል ምስዘጋጥሞ፡ ክደናገር ትዕዘብ። ሓድሽ ነገር ንምቕሳም እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ንምእላይ ኣዝዩ ይሽገር። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሉይን ሓድሽን ስለዘይሳነዩ። ነቲ ብሉይ ብምውጋድ ሓድሽ ነገር ምድላብ ትብዓት ስለዝሓትት። እቲ ብሉይ ልምዲ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ፡ጸዓት፡ ንዋት ስለዝወሰደ ክትዕቅቦ ኢኻ ትደሊ። እንተዀነ’ግን፡ ደቂ-ሰባት ምዕሩይን ንቑሕ ውሳነን ንምስውሳድ መታን ክኽእሉ ኩሉ ጊዘ ናይ ሕሉፍ ተመኩሮኦም ክፍትሽዎ ኣለዎም። ዘድልዩና ክንዕቅቦም፣ዘየድልዩና ክነወግዶም፣ ሓድሽ ፍልጠት’ድማ ኣብ ከብሕታትና ከነእቱ ኣሎና። ጉዕዞ ህይወት ብ”ምምሃር፡ዳግመ-ምምሃር፡ ዘይምምሃር” ዝተሰነየት’ያ።
ክቅየሩ ዘለዎም ርዲኢታትና ብዙሓት’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ዙርያ ደቂ-ኣንስትዮ ዘለዉ ግን ሓለፋ’ዮም። ብዙሓት ሰባት ሃይማኖታዊ፡ባህላዊን ፖለቲካውን ጽሑፋትን ፍጻሜታትን ቊንጽብ ኣቢሎም ብምልዓል፡ እነሆ’ኮ ደቂ-ኣንስትዮ ብመሰረት ባህልና፡ሃይምኖትና፡ ሕገ-መንግስትና፡ታሪኻዊ ዕጥቃዊ ቃልስታትን ምሉእ መሰል ኣጎናጺፍወን’ዩ ይብሉኻ። ሓቂ ንምዝራብ ኩሎም ደቂ-ተባዕትዮ’ዮም ከም’ኡ ዝብሉ። ኣብ’ዛ ወዲ-ተባዕታይ ዝሰርሓ ዓለም ባዕሉ የዘንትወልካ። ንዕ ኡ ብዝጥዕም ኣገባብ ጌሩ። ኣይፋሉን፡ ቅንዕና የድሊ። ጥልቕ ዝበለ ናይ ሽግራት ምንጭታት ምርዳእ ጽቡቕ ይመስለኒ። ምልክታት ሕማም ዘይኰነ፣ ሕማም ምፍዋስ ይሓይሽ ይመስለኒ።
ካብ’ዚ ብምቕጻል ደቂ-ኣንስትዮ ከይብርኻ/ከይለዓላ ወይ ንምንእኣስ እንጥቀመሎም ሜላታት እዝርዝር።
ጾታዊ ግዴታት
ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ስራሕ፡ሞያን ዕዮን ክፍፍለን ካብ ናይ ወዲ ይፍለ’ዩ። ንሳተን ዘድመዓሉ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ክንክን ህጻናት፡ወሊድ፡ጋሻ ምትእንጋድ፡ጽሬትን መግቢ ምስራሕን ክኸውን እንከሎ፣ ካብ ገዛ ወጻኢ’ከኣ ኣብ ሞያታት ሕክምና፡ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠታት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም በዓል መደረ፡ህዝባዊ ርክባት፡ምልከት ቋንቃ፡ኣኼባታትን ፈስቲቫላትን ምስራዕን ምክያድን፡ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈታት ምትሕግጋዝ፡ ኣብ ዓውድታት ስነ-ሕብረተሰብ፡ ስነ-ልቦና ወዘተ. . . ጥራይ’የን ዘድመዓ ተባሂሉ’ዩ ዝእመን። እዚ ድማ ብተፈጥሮ ዝተዋህበ’ዩ። ዝቅየር ኣይኰነን ኢና ንብል። ብ ኣንጻሩ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ኩሉ ኣይሰንፉን’ዮም፡ ቀንዲ ግን ናይ ደገ ስራሓት ኣብ ስነ-ፍልጠት፡ምህንድስና፡ስነ-ሒሳብ፡ቴክኖሎጂን ምሕደራን ዝወዳደሮም የብሎምን’ዩ እቲ ስምምዕ ናይ ኩሉ። ነገር’ግን ሓቅታት ከም’ኡ ድዮም ዝምስክሩ፧ ንምሳሌ ኣብ 1970 ኣብ’ቶም ወዲ የድመዓሎም ዝተባህሉ ዓውድታት ደቂ-ኣንስትዮ 19% ኔርወን። ኣብ 2019 እዚ መጠን ናብ 65% ዕቤት ኣርእዩ። ኣብ ስነ-ፍልጠት 45%፣ ኣብ ቁጽሪ 47% ኣብ ምህንድስና ድማ ካብ 3% ናብ 19% ብራኸ ኣመዝጊበን። ዓቢ ዝላ’ዩ ብፍላይ ምስ’ቲ ኣሽሓት ዘመናት ተጨቊነናሉ ብምውድዳር። ሕሰቦ፣ ምንቅስቓስ ንሲቪላዊ መሰላት ማለት መሰል ምምራጽ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ውሽጡ ዘካተተ ኣብ 1950’ታት’ዩ ጀሚሩ። ስለዚ ዓቢ ለውጢ’ዩ። እዚ ሒዝናዮ ዝዓበና ደቂ-ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣይዓያን’የን ዝብል ቅኑዕ ድዩ፧
ድራማ ይፈትዋ’የን፡ወደሳ’ውን ኣይንሕፋን
ኣብ ፍቅራዊን ምሕዝነታውን ህይወት፡ ደቂ-ተባዕትዮ እንገብሮ ጌጋታት’ዩ። መብዛሕቲኡ’ኳ ደይ-መደያዊ’ዩ። መሳርሒ ናይ ምዝመዛን ጥበራን (manipulation) ካብ ዝኸውን’ግን ነዊሕ ጌሩ ኣሎ። “ንጉል ወይ ክሻ ሓሶት፡ ወይ ክሻ ገንዘብ”። እታ ቀዳመይቲ ዝለዓለት ቅሪጺ ናይ ከንቱ-ውዳሴ (Flattery)’ያ። ጥቅሚ-ኣልቦ፣ ዕላማኡ ንሓጺርን ዘይዘላቒን ሸቶ ንምህራም ዝግበር’ዩ። መብዛሕቲኤን ደቂ-ኣንስትዮ’ኳ ሎሚ’ስ ፈልጤነኦ’የን። ግን፡ ኣይሰርሕን ማለት ኣይኰነን። ደቂ-ኣንስትዮ ተረዳእቲ፡ ኣብ ጫማ ናይ ሰብ ኣትየን ስለዝሓስባ፣ ስለዝሰምዓን ኣብ ክንዲ ሰብ ስለስመዐንን፡ ሓሶት’ከኣ እንተተደጋጊሙ ሓቂ ስለዝመስል ኣብ መወዳእታስ ኣብ መጻወድያ ይ ኣትዋ’የን።
ሓቂ’ግን፣ ወደሳ ዝየፈቱ ኣሎ’ድዩ፧ ሰብ ኣበርኪቱ፡ሰሪሑ፡ ጽዒሩ፡ርሂጹ ጻማኡ ምስ ዝረክብ ሰብ ክውድሶ እንከሎ ኣይሕጐስን’ድዩ፧ ሓደ ወዲ፡ ጽቡቕ ኣለባብሳ፡ ውሕሉል ኣዘራርባ፡ ጽኑዕ እምነት፡ ምልኩዕን ትኩርን ምስዝኸውን፡ እሞ’ድማ ናእዳን መጐስን ምስዝቐርበሉ እንታይ ይስምዖ፧ ኣይድሰትን፧ እንተወሓደ፡ ብውሽጡ ፍስህ ኣይብልን፧ ክብሪ ካብ ምንታይ’ድዩ ዝብገስ፧ ውርዙይ ሰብ’ከ እቲ ዝገብሮ፡ዝኸዶ ሰብ ከይሪኦን ከይቁጠዓሉን’ዶ ኣይኰነን ዝጥንቀቅ፧ ሰብ’ከ “ክብረይ ክብረይ” ዝብል ክብረቱ ካብ ካል ኦት “approval” ስለዝጽበ’ዶ ኣይኰነን። ደቂ-ኣንስትዮ’ኸ ክውደሳ እንከለዋ፡ ብቕንዕና፡ ብፍሽኽታ፡ብሓጐስ እንተተቐበለኦ’ሞ ኣብ ምንታይ’ዩ ሓጥያቱ፧ እቲ ምንጪ ናይ ወደሳ ብዘየገድስ እቲ ተግባር ቅኑዕ ኰይኑ ‘ኣሰይ’ እንተበላስ ካብ ባህሪ ሰብ እንታይ ዘፍሊ ኣለዎ፧ ቅንዕና ትሓጽረና’ያ።
ቋንቋ
ቋንቋ ኣብ ምዝመዛ ደቂ-ኣንስትዮ ዘውረዶ በሰላ መዘና ኣልቦ’ዩ። ብቋንቋ ዳርጋ ተፈጥሮ ከምዘፍቅዶ ዘምስል መልእኽትታት ይመሓላለፍ። ኣብነት ንምትቃስ፡ ኣብ እንግሊዘኛ ሰብኣይ (Man) ከም ፈላማይ (precedent) ሰበይቲ ድማ ከም ሰዓቢት/ተኸታሊት(antecedent) ጌርካ ምዝንታው። ኣብ ኣምሓርኛ ሰብ ኣይ (ባል) ከም ‘በዓል’፡ ሰበይቲ (ሚስት) ከም ‘ምሸት’፡ ወዲ-ተባዕታይ ክቡር፡ሕፉር፡ኩሩዕ፡ምዕሩግ ጉል-ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ጾታዊ ኣገልግሎት ጥራይ እትሕጸር ጌርካ ምትርጓም። ኣብ ትግርኛ’ከኣ ቃላት ሰብ ኣይን ሰበይቲን ግእዝ፡ካዕብ፡ሳልስ፡ራብዕ፡ሓምስ፡ሳድስን ሳብዕን ካብ 1-7 ቁጽሪ ብምሃብ ሰ-ብ-ኣ-ይ ድምሩ 17፡ ሰ-በ-ይ-ቲ ድማ 11’ዩሞ ጓል ካብ ወዲ ትንእስ’ያ ምባል ጣቋ ኣለዎ’ዶ፧ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ‘ወዲ-ሰብ’’ዶ ኣይኰናን ንብል ኣብ ክንዲ ‘ደቂ-ሰብ’ ኢልና ንኽልተ ጾታ ምግላጽ፧ ጅግና(Hero)፡ ኣንበሳ(Lion)፡ ነብሪ(Tiger) ዝብሉ ናይ መጐስ ቅጽላት ብወዲ ዝተቀርጹ’ዶ ኣይኰኑን፧ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ጀግኒት(Shero)፡ ኣንበሲት(Lioness) ወይ ዋዕሮ ዝብሉ ቅጽላት ይመጽኡ ኣለዉ። ድንቂ’ዩ። ቋንቋና ጎኒ-ጎኒ’ቲ ደቂ-ሰባት ዝቅየርዎ ዘለዉ፡ ክቅየር ኣለዎ። ቀንዲ’ግን ቋንቋ ውሽጥና፡ ኣባና ሰሪጹ ዘሎ ሕማቅ ኣረኣእያ ክእለ’ለዎ። ጓል ማዕረ ወዲ ከምትገብር ምእማን ናይ መጀመርያ ጥበብ’ዩ።
ጸኒሕ ባህልን ልምድን
“ንብዕራይ ኣብ መልሲ ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ”
“ሰበይቲ ድሕሪ ሰብኣይ ስጉምትታት ድሒራ ክትክተል ኣለዋ”
“ጸጉራ ክትሽፈን፡ ስትር እንተበለት’ዩ”
ሃይማኖት
ሃይማኖት’ድዩ ኢልዎ ኣይበሎን ሕቶ ኣለኒ፡ ግን ሄዋን ካብ መሰንገለ ኣዳም’ያ ተፈጢራ ዝብል ዘረባ ዝዓበናሉ’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ወዲ ተባዕታይ ካብ መሰናግልኡ ሓንቲ እትጐድሎ ዝብል ዘረባ’ውን ሳሕቲ ይስማዕ። ግን ከም’ኡ ድዩ፧ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ማዕረ ብገምጋም 12 ጽምዲ ወይ ከኣ 24 መሰናግሎ ኣለዎም። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ገለ ሰባት 13ን 11 ጽምድን የጋጥም። ይኹን’ምበር እቲ ቁጽሪ ማዕረ’ዩ። ካልእ ሄዋን እንተዘይትስሕትስ ኣበይ ምሃለና ዝብል’ውን ኣሎ። እንተሓሰብካዮ’ኮ ካብ’ታ ጽቡቕን ሕማቕን እተፍልጥ ኦም-ህይወት’ያ በሊዓ። ናይ ምፍላጥ ሃረርታ መን ኣለዎ፧ ኣዳም ወይ’ስ ሄዋን፧
ስነ-ፍልጠትን ማሪታዊ እምነትን (ኣጉል-ኣተሓሳስባ)
ሓደ ካብ ዝበለኒ’ዩ፣ ወዲ ተባዕታይ ብዙሓት ኣንስቲ ንኽህልወኦ ዝቕስብ ምኽንያት ስነ-ፍልጠት’ውን ይብሎ’ዩ ኢሉ ተማጒቱኒ። ብኸመይ፧ ናይ ጓል ክሮሞዞም XX ክኸውን’እንከሎ ናይ ወዲ ከኣ XY’ዩ። ሃየ። ስለዚ 1 ወዲ ን3 ኣዋልድ። ካልእ ብዝሒ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዓለም ካብ ናይ ኣወዳት ይበዝሕ ዝብል ምጉት’ዩ። ሓሶት’ዩ። እቲ ቁጽሪ ማዕረ’ዩ፣ እኳ ደኣ ደቂ ተባዕትዮ 50.24%’ዮም ኣብዛ ጊዜ እዚኣ።
መደምድምታ
ንምምሃር፣ዳግመ-ምምሃርን ዘይምምሃርን ግዚኡ ሕጂ’ዩ።
ኣይፋል ንዓመጽ!
CONNECT WITH US
Empowering refugees through education and community support.
must read links
© 2024. All rights reserved.