Eritrean Refugees University Graduates and Students Association

ተገንዝቦኣዊ ዘይምቅዳው

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብ ዘጋጥሙና ጸገማት ሓደ፡ ተገንዝቦኣዊ ዘይምቅዳው(Conginitive Dissonance) እዩ። ካብቲ ዝዓበየሉ ባህሊን ልምድን፡ሃይማኖት፡ መነባብሮ ፍልይ ዝብል ምስዘጋጥሞ፡ ክደናገር ትዕዘብ። ሓድሽ ነገር ንምቕሳም እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ንምእላይ ኣዝዩ ይሽገር። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሉይን ሓድሽን ስለዘይሳነዩ።

TIGRIGNA

ሃብቶም ከሓሰ

10/22/20241 min read

worm's-eye view photography of concrete building
worm's-eye view photography of concrete building

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብ ዘጋጥሙና ጸገማት ሓደ፡ ተገንዝቦኣዊ ዘይምቅዳው(Conginitive Dissonance) እዩ። ካብቲ ዝዓበየሉ ባህሊን ልምድን፡ሃይማኖት፡ መነባብሮ ፍልይ ዝብል ምስዘጋጥሞ፡ ክደናገር ትዕዘብ። ሓድሽ ነገር ንምቕሳም እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ንምእላይ ኣዝዩ ይሽገር። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሉይን ሓድሽን ስለዘይሳነዩ። ነቲ ብሉይ ብምውጋድ ሓድሽ ነገር ምድላብ ትብዓት ስለዝሓትት። እቲ ብሉይ ልምዲ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ፡ጸዓት፡ ንዋት ስለዝወሰደ ክትዕቅቦ ኢኻ ትደሊ። እንተዀነግን፡ ደቂ-ሰባት ምዕሩይን ንቑሕ ውሳነን ንምስውሳድ መታን ክኽእሉ ኩሉ ጊዘ ናይ ሕሉፍ ተመኩሮኦም ክፍትሽዎ ኣለዎም። ዘድልዩና ክንዕቅቦም፣ዘየድልዩና ክነወግዶም፣ ሓድሽ ፍልጠትድማ ኣብ ከብሕታትና ከነእቱ ኣሎና። ጉዕዞ ህይወት ምምሃር፡ዳግመ-ምምሃር፡ ዘይምምሃርዝተሰነየትያ።

ክቅየሩ ዘለዎም ርዲኢታትና ብዙሓት እንተዀኑ፡ ኣብ ዙርያ ደቂ-ኣንስትዮ ዘለዉ ግን ሓለፋዮም። ብዙሓት ሰባት ሃይማኖታዊ፡ባህላዊን ፖለቲካውን ጽሑፋትን ፍጻሜታትን ቊንጽብ ኣቢሎም ብምልዓል፡ እነሆ ደቂ-ኣንስትዮ ብመሰረት ባህልና፡ሃይምኖትና፡ ሕገ-መንግስትና፡ታሪኻዊ ዕጥቃዊ ቃልስታትን ምሉእ መሰል ኣጎናጺፍወን ይብሉኻ። ሓቂ ንምዝራብ ኩሎም ደቂ-ተባዕትዮዮም ከም ዝብሉ። ኣብ ወዲ-ተባዕታይ ዝሰርሓ ዓለም ባዕሉ የዘንትወልካ። ንዕ ብዝጥዕም ኣገባብ ጌሩ። ኣይፋሉን፡ ቅንዕና የድሊ። ጥልቕ ዝበለ ናይ ሽግራት ምንጭታት ምርዳእ ጽቡቕ ይመስለኒ። ምልክታት ሕማም ዘይኰነ፣ ሕማም ምፍዋስ ይሓይሽ ይመስለኒ።

ካብ ብምቕጻል ደቂ-ኣንስትዮ ከይብርኻ/ከይለዓላ ወይ ንምንእኣስ እንጥቀመሎም ሜላታት እዝርዝር።

ጾታዊ ግዴታት

ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ስራሕ፡ሞያን ዕዮን ክፍፍለን ካብ ናይ ወዲ ይፍለዩ። ንሳተን ዘድመዓሉ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ክንክን ህጻናት፡ወሊድ፡ጋሻ ምትእንጋድ፡ጽሬትን መግቢ ምስራሕን ክኸውን እንከሎ፣ ካብ ገዛ ወጻኢከኣ ኣብ ሞያታት ሕክምና፡ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠታት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም በዓል መደረ፡ህዝባዊ ርክባት፡ምልከት ቋንቃ፡ኣኼባታትን ፈስቲቫላትን ምስራዕን ምክያድን፡ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈታት ምትሕግጋዝ፡ ኣብ ዓውድታት ስነ-ሕብረተሰብ፡ ስነ-ልቦና ወዘተ. . . ጥራይየን ዘድመዓ ተባሂሉ ዝእመን። እዚ ድማ ብተፈጥሮ ዝተዋህበዩ። ዝቅየር ኣይኰነን ኢና ንብል። ኣንጻሩ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ኩሉ ኣይሰንፉንዮም፡ ቀንዲ ግን ናይ ደገ ስራሓት ኣብ ስነ-ፍልጠት፡ምህንድስና፡ስነ-ሒሳብ፡ቴክኖሎጂን ምሕደራን ዝወዳደሮም የብሎምን እቲ ስምምዕ ናይ ኩሉ። ነገርግን ሓቅታት ከም ድዮም ዝምስክሩ፧ ንምሳሌ ኣብ 1970 ኣብቶም ወዲ የድመዓሎም ዝተባህሉ ዓውድታት ደቂ-ኣንስትዮ 19% ኔርወን። ኣብ 2019 እዚ መጠን ናብ 65% ዕቤት ኣርእዩ። ኣብ ስነ-ፍልጠት 45% ኣብ ቁጽሪ 47% ኣብ ምህንድስና ድማ ካብ 3% ናብ 19% ብራኸ ኣመዝጊበን። ዓቢ ዝላ ብፍላይ ምስ ኣሽሓት ዘመናት ተጨቊነናሉ ብምውድዳር። ሕሰቦ፣ ምንቅስቓስ ንሲቪላዊ መሰላት ማለት መሰል ምምራጽ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ውሽጡ ዘካተተ ኣብ 1950’ታት ጀሚሩ። ስለዚ ዓቢ ለውጢዩ። እዚ ሒዝናዮ ዝዓበና ደቂ-ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣይዓያንየን ዝብል ቅኑዕ ድዩ፧

ድራማ ይፈትዋየን፡ወደሳውን ኣይንሕፋን

ኣብ ፍቅራዊን ምሕዝነታውን ህይወት፡ ደቂ-ተባዕትዮ እንገብሮ ጌጋታትዩ። መብዛሕቲኡ ደይ-መደያዊዩ። መሳርሒ ናይ ምዝመዛን ጥበራን (manipulation) ካብ ዝኸውንግን ነዊሕ ጌሩ ኣሎ።ንጉል ወይ ክሻ ሓሶት፡ ወይ ክሻ ገንዘብ እታ ቀዳመይቲ ዝለዓለት ቅሪጺ ናይ ከንቱ-ውዳሴ (Flattery)’ያ። ጥቅሚ-ኣልቦ፣ ዕላማኡ ንሓጺርን ዘይዘላቒን ሸቶ ንምህራም ዝግበርዩ። መብዛሕቲኤን ደቂ-ኣንስትዮ ሎሚ ፈልጤነኦየን። ግን፡ ኣይሰርሕን ማለት ኣይኰነን። ደቂ-ኣንስትዮ ተረዳእቲ፡ ኣብ ጫማ ናይ ሰብ ኣትየን ስለዝሓስባ፣ ስለዝሰምዓን ኣብ ክንዲ ሰብ ስለስመዐንን፡ ሓሶትከኣ እንተተደጋጊሙ ሓቂ ስለዝመስል ኣብ መወዳእታስ ኣብ መጻወድያ ኣትዋየን።

ሓቂግን፣ ወደሳ ዝየፈቱ ኣሎድዩ፧ ሰብ ኣበርኪቱ፡ሰሪሑ፡ ጽዒሩ፡ርሂጹ ጻማኡ ምስ ዝረክብ ሰብ ክውድሶ እንከሎ ኣይሕጐስንድዩ፧ ሓደ ወዲ፡ ጽቡቕ ኣለባብሳ፡ ውሕሉል ኣዘራርባ፡ ጽኑዕ እምነት፡ ምልኩዕን ትኩርን ምስዝኸውን፡ እሞድማ ናእዳን መጐስን ምስዝቐርበሉ እንታይ ይስምዖ፧ ኣይድሰትን፧ እንተወሓደ፡ ብውሽጡ ፍስህ ኣይብልን፧ ክብሪ ካብ ምንታይድዩ ዝብገስ፧ ውርዙይ ሰብ እቲ ዝገብሮ፡ዝኸዶ ሰብ ከይሪኦን ከይቁጠዓሉን ኣይኰነን ዝጥንቀቅ፧ ሰብክብረይ ክብረይዝብል ክብረቱ ካብ ካል ኦት “approval” ስለዝጽበ ኣይኰነን። ደቂ-ኣንስትዮ ክውደሳ እንከለዋ፡ ብቕንዕና፡ ብፍሽኽታ፡ብሓጐስ እንተተቐበለኦ ኣብ ምንታይ ሓጥያቱ፧ እቲ ምንጪ ናይ ወደሳ ብዘየገድስ እቲ ተግባር ቅኑዕ ኰይኑኣሰይእንተበላስ ካብ ባህሪ ሰብ እንታይ ዘፍሊ ኣለዎ፧ ቅንዕና ትሓጽረናያ።

ቋንቋ

ቋንቋ ኣብ ምዝመዛ ደቂ-ኣንስትዮ ዘውረዶ በሰላ መዘና ኣልቦዩ። ብቋንቋ ዳርጋ ተፈጥሮ ከምዘፍቅዶ ዘምስል መልእኽትታት ይመሓላለፍ። ኣብነት ንምትቃስ፡ ኣብ እንግሊዘኛ ሰብኣይ (Man) ከም ፈላማይ (precedent) ሰበይቲ ድማ ከም ሰዓቢት/ተኸታሊት(antecedent) ጌርካ ምዝንታው። ኣብ ኣምሓርኛ ሰብ ኣይ (ባል) ከምበዓል ሰበይቲ (ሚስት) ከምምሸት ወዲ-ተባዕታይ ክቡር፡ሕፉር፡ኩሩዕ፡ምዕሩግ ጉል-ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ጾታዊ ኣገልግሎት ጥራይ እትሕጸር ጌርካ ምትርጓም። ኣብ ትግርኛከኣ ቃላት ሰብ ኣይን ሰበይቲን ግእዝ፡ካዕብ፡ሳልስ፡ራብዕ፡ሓምስ፡ሳድስን ሳብዕን ካብ 1-7 ቁጽሪ ብምሃብ --- ድምሩ 17 --- ድማ 11’ዩሞ ጓል ካብ ወዲ ትንእስ ምባል ጣቋ ኣለዎዶ፧ ኣብ መዓልታዊ ህይወትናወዲ-ሰብ’’ ኣይኰናን ንብል ኣብ ክንዲደቂ-ሰብኢልና ንኽልተ ጾታ ምግላጽ፧ ጅግና(Hero) ኣንበሳ(Lion) ነብሪ(Tiger) ዝብሉ ናይ መጐስ ቅጽላት ብወዲ ዝተቀርጹ ኣይኰኑን፧ ኣብ ቀረባ እዋን ጀግኒት(Shero) ኣንበሲት(Lioness) ወይ ዋዕሮ ዝብሉ ቅጽላት ይመጽኡ ኣለዉ። ድንቂዩ። ቋንቋና ጎኒ-ጎኒ ደቂ-ሰባት ዝቅየርዎ ዘለዉ፡ ክቅየር ኣለዎ። ቀንዲግን ቋንቋ ውሽጥና፡ ኣባና ሰሪጹ ዘሎ ሕማቅ ኣረኣእያ ክእለለዎ። ጓል ማዕረ ወዲ ከምትገብር ምእማን ናይ መጀመርያ ጥበብዩ።

ጸኒሕ ባህልን ልምድን

ንብዕራይ ኣብ መልሲ ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ

ሰበይቲ ድሕሪ ሰብኣይ ስጉምትታት ድሒራ ክትክተል ኣለዋ

ጸጉራ ክትሽፈን፡ ስትር እንተበለት

ሃይማኖት

ሃይማኖትድዩ ኢልዎ ኣይበሎን ሕቶ ኣለኒ፡ ግን ሄዋን ካብ መሰንገለ ኣዳም ተፈጢራ ዝብል ዘረባ ዝዓበናሉዩ። ስለ ወዲ ተባዕታይ ካብ መሰናግልኡ ሓንቲ እትጐድሎ ዝብል ዘረባውን ሳሕቲ ይስማዕ። ግን ከም ድዩ፧ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ማዕረ ብገምጋም 12 ጽምዲ ወይ ከኣ 24 መሰናግሎ ኣለዎም። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ገለ ሰባት 13 11 ጽምድን የጋጥም። ይኹንምበር እቲ ቁጽሪ ማዕረዩ። ካልእ ሄዋን እንተዘይትስሕትስ ኣበይ ምሃለና ዝብልውን ኣሎ። እንተሓሰብካዮ ካብ ጽቡቕን ሕማቕን እተፍልጥ ኦም-ህይወት በሊዓ። ናይ ምፍላጥ ሃረርታ መን ኣለዎ፧ ኣዳም ወይ ሄዋን፧

ስነ-ፍልጠትን ማሪታዊ እምነትን (ኣጉል-ኣተሓሳስባ)

ሓደ ካብ ዝበለኒዩ፣ ወዲ ተባዕታይ ብዙሓት ኣንስቲ ንኽህልወኦ ዝቕስብ ምኽንያት ስነ-ፍልጠትውን ይብሎ ኢሉ ተማጒቱኒ። ብኸመይ፧ ናይ ጓል ክሮሞዞም XX ክኸውንእንከሎ ናይ ወዲ ከኣ XY’ዩ። ሃየ። ስለዚ 1 ወዲ 3 ኣዋልድ። ካልእ ብዝሒ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዓለም ካብ ናይ ኣወዳት ይበዝሕ ዝብል ምጉትዩ። ሓሶትዩ። እቲ ቁጽሪ ማዕረዩ፣ እኳ ደኣ ደቂ ተባዕትዮ 50.24%’ዮም ኣብዛ ጊዜ እዚኣ።

መደምድምታ

ንምምሃር፣ዳግመ-ምምሃርን ዘይምምሃርን ግዚኡ ሕጂዩ።

ኣይፋል ንዓመጽ!