ፍልጠት ሓይሊ'ዩ
ፍልጠት ናብ ዝኾነ ነገር ክዕየር ዝኽእል ሃብቲ እዩ፡ ብርግጽ ክንምሃር ኣለና። ዕዉታት ተማሃሮ ክንከውን ድማ መስተውዓልትን ጻዕራማት ኣጽናዕትን ክንከውን ግድን ይኸውን። ብንኡስና ከለና ናይ ምምርማር መንፈስ ክህልወና ይግባእ፡ ንሓደ ዝሰማዓካዮ ይኹን ዝተዓዘብካዮ ብኹሉ ኩርናዓት ጠምቶ፡ ከም ልምዲ ንሓዞ።
TIGRIGNA
መሓሪ ዮውሃንስ
10/22/20241 min read


ፍልጠት ናብ ዝኾነ ነገር ክዕየር ዝኽእል ሃብቲ እዩ፡ ብርግጽ ክንምሃር ኣለና። ዕዉታት ተማሃሮ ክንከውን ድማ መስተውዓልትን ጻዕራማት ኣጽናዕትን ክንከውን ግድን ይኸውን። ብንኡስና ከለና ናይ ምምርማር መንፈስ ክህልወና ይግባእ፡ ንሓደ ዝሰማዓካዮ ይኹን ዝተዓዘብካዮ ብኹሉ ኩርናዓት ጠምቶ፡ ከም ልምዲ ንሓዞ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያና ብዙሓት ምርጫታት ኣለዉ፡ ምስጢር ዓወትና ድማ እቶም ምርጫታት ኣብ ምልላይን፡ እቲ ዝበለጸ ምርጫ ኣልዒልካ መስዋእቲ ኣብ ምኽፋልን እዩ ዘሎ። ውልቃዊ ዓወት ምስ ዝዓቢ፡ ድምር ውልቃዊ ምዕባለ ሕብረተሰባዊ ምዕባለ የምጽእ። ብሕጽር ዝበለ፡ ትምህርቲ መሰረተ ምዕባላ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ። ኣበይ ብኸመይ ንምሃሮ ብዘየገድስ። መዓልታዊ ህይወትና ከም መምህርን ተመሃራይን ኮይና ኢና ንሓልፎ፡ ብስሩዑን ብዘይስሩዕ ኣገባብ ኣመሃህራ። እቲ ስሩዕ ኣገባብ ኣመሃህራ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ብምኻድ ክንረኽቦ ከለና፡ እቲ ካልእ ድማ ካብ እንዕዘቦን ንሰምዖን እዩ።
ብመጠን እነፍስሶ ጻዕርን እንህቦ ግዜን ድማ ክንኮኖ ንደሊ ብቕዓትን ደረጃን ንኽንበጽሕ ኣይንጸገምን። ብርግጽ ወላ እኳ ንሕና ክንቛጻጸሮም ዘይንኽእል ደጋዊ ሕልኽላኻት እንተ ሃለዉ፡ ምሉእ ባህጊ ሰኒቕካ ዛራዪ ጻዕርን ግዜን እንተ ሂብካዮ ግን፡ ሕልምኻ ጋህዲ ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን። ክንኮኖ ንደሊ ንላመዶ ምኽንያቱ ዝተላመድናዮ ነገር ኢና ንኾኖ።ንኣብነት፡ ከምቲ ለጋስ ሰብ ክትከውን ምሃብ፡ ዕጉስ ሰብ ክትከውን ስቕታ ትላመድ። ጻዕርኻ ከየፍሰስካ ዓወት ኣይትረክብን፡ ርዝነት ዓወትካ ብርዝነት ዝኸፈልካሉ መስዋእቲ እዩ ዝዕቀን። ተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዓንኬል ምቾት ኮይንካ ሕልመይ ከግህድ 'የ ኢልካ ከይትሓስብ። ብተወሳኺ፡ ፈላጥ እየ ዝብል ቃል ኣብ ርእስኻ ከይተስፍር፡ ፈላጥ ክፈልጥ እዩ ግዜኡ ዘሕልፎ ፈላጥ ምዃኑ ከይፈለጠ እዩ ድማ ዝመዉት። ምኽንያቱ ፍልጠት ደውታ የብሉን፡ ካብ ምርምር መዓልታዊ ሓዱሽ ነገር እዩ ዝፈልቕ። ስለዚ ኣብ ህይወት ዕዉታት ክንከውን ከምቲ ንኸብድና መግቢ ንመልኣ፡ ንርእስና እውን መዓልታዊ ፍልጠት ንመግባ። ምኽንያቱ፡
CONNECT WITH US
Empowering refugees through education and community support.
must read links
© 2024. All rights reserved.