Eritrean Refugees University Graduates and Students Association

ማሕበራዊ መርትዖ

ኣየናይ ባህርያት እዩ ቅኑዕ፡ ምፍላጥ ኣብ ዝሰኣንናሉ፣ ከምኡ ድማ ውሳኔ ንምግባር እኩል ሓበሬታ ኣብ ዘይረኸብናሉ እዋን፣ ከመይ ጌርና ኢና ውሳኔ ንገብር? ኣቲ ጥበብ ውሳኔ ኣገዳስነት ኣለዎ ዶ?

TIGRIGNA

ተስፋኣለም ናይዝጊ

10/22/20241 min read

ኣየናይ ባህርያት እዩ ቅኑዕ፣ ምፍላጥ ኣብ ዝሰኣንናሉ፡ ወይ ውሳኔ ንምግባር እኩል ሓበሬታ ኣብ ዘይረኸብናሉ እዋን፣ ከመይ ጌርና ኢና ውሳኔ ንገብር?

ኣብ ኣጸጋሚ ወይ ርግጸኛታት ዘይኮንናሉ ኩነት ምስ እንህሉ፡ ንውሳኔ ዝኸውን ኣፍልጦን ተመክሮን 'ውን ምስ ዘይጸንሓና፣ ኣእምሮና ብቕጽበት ካብ ምውሳን ዝዕገት ኣይኮነን። ከም ሜላ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነት ዝወስድዎ ምርጫ ወይ ዘርእይዎ ባህርያት ክንዕዘብ ስለዝጸናሕና ክኸውን ይኽእል፣ ልክዕ ንባህርያቶም ብምቕዳሕ፡ ውሳኔ ከም ንገብር ባህርያዊ ስነ ፍልጠት የመልክት። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ስነ-ፍልጠት፡ ንሕና ደቂ-ሰባት ማሕበራዊ መርትዖ ከም ንኽተል የረድእ።

ንጹርነት ንምህላው ዝኣክል ማሕበራዊ መርትዖ ክብል ከለኹ social proof ማለተይ እየ። ብዛዕባ 'ዚ ማሕበራዊ ባህርያት ደቂ-ሰባት፡ ሓጺር ጽሑፍ ናባኹም የብሎ ኣለኹ እሞ፡ ሰናይ ምክትታል!

ማሕበራዊ መርትዖ ዝብል ትርጓሜ ነቲ ልሙድ ትርጎማ ተክኒካዊ ቃላት ተኸቲሉ ዝተቐየረ 'ምበር ቅኑዕ እውን ዘይኮነ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዝኾነ ኮይኑ፡ እዚ ኣምር ንማሕበራዊ ጽልዋ ቅሉዕ ወይ ተኣፋፊ ምዃን ዝብል ትርጉም እንተዝወሃቦ ዝምረጽ ኮይኑ ይስምዓኒ። ልክዕ ከም'ቲ ገለ ሰባት ን Facebook - ገጻት-መጻሕፍቲ፡ ን Feedback ድማ መልሰ-ዕንጋሎ ክብሉ ትርጉም ዝህብዎ ማለት እዩ። እቲ ውሩይ ኤርትራዊ ፍላስፋ ነፍሲ ሄር በየነ ሃይለ ነታ መልሰ ዕንጋሎ ብዝብል ዝተተርጎመት ምስ ስራሕ ጉዕዞ ናብ ጠፈር ብ መንኮርኮር ዝተፈጥረት ቃል ብ ኣንኩሮ ሰሚዑ ከም ዝሰሓቐ ባዕለይ ምስክር እየ።

እሞ ሲ፡ ፍልስፍናዊ ተውህቦ እንተለኩም፡ ካብ'ታ ማሕበራዊ መርትዖ ብምባል ሰምየያ ዘለኹ ዘስሕቕ ኣይትስእኑን ኢኹም። ዳሓር ከኣ ዘይ ሰሓቕ ተላባዒ ባህሪ ደቂ-ሰባት እዩ! ናይ'ቲ ፍላስፋ ፍሽኽታ ኣብ ሓንጎልኩም እንተቀሪጽኩም ጥራይ፡ ጭዋዳታት ገጽኩም ናይ ፈገግታ ምልክት ከም ዘርኢ ኣይትጠራጠሩ። እዚ ባህርያዊ ምትእስሳር ዝገልጽ ባህርና እዩ።

ብተመሳሳሊ ምኽንያት፡ ኣብ ዘማትእ ማሕበራዊ ኩነት ሰባት ኣየናይ ቅዲ-ባህርያት ከም እንገብር ግር ስለዝብለና፡ እቲ ክጭነቕ ዘይደሊ ስርዓተ-1-ኣተሓሳስባና፣ ብባህሪኡ ሓጺር መንገዲ (short cuts) ስለዝኽተል፡ እቲ ሰባት ዝገብርዎ ምግባር ቀሊል ኮይኑ ንረኽቦ። ስለ'ዚ ክሳብ ክንደይ ሓደ ባህሪ ወይ ውሳኔ ቅኑዕ ምዃኑ ንምፍላጥ ዘኽእለና ሓደ ሜላ እንተሎ 'ምበር፣ እዚ መትከል ማሕበራዊ መርትዖ ኮይኑ፡ ንካልኦት ሰባትን እንታይ ቅኑዕ ይመስሎም ብምፍላጥን ምርዓምን ዝካየድ ምዃኑ ይግለጽ።

ዋላ'ኳ ሰባት ንባህርያቶም ከም ቅድመ ኩነት ዝገልጽ ርትዓዊ መበገሲ ኣለዎም ብዝብል ክላሲካዊ ኣተሓሳስባ ምሉእ ብምሉእ ዝስርዝ ርትዒ ኣይሃልዎ እምበር፡ ሓበሬታ ወይ ውሳኔ ካብ ካልኦት ንቐድሕን ብግብሪ ነርእን ምዃንንና ግን ማሕበራዊ ስነፍልጠት ብዘእምን መንገዲ የረድእ። ምስ እዚ ዝኸይድ ግን ድማ ኣጸቢቑ ዝሰማማዓኒ ካብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዝውሰድ ስውጠት (insight) ኣብ ዝበዝሐ ሂወትና ባዕልና መሚና ዝሓረናዮ ምርጫ ዘይንገብር፡ ልክዕ ወይ ልዕሊ ርትዓውያን ስምዒታውያን ፍጡራት ምኳንና ዝገልጽ ርትዒ እዩ። ብዘይ ጥርጥር እዚ ተፈጥሮ ዝዓደለና ባህሪ እዩ።

ዝበዝሐ ንገብሮ ውሳኔታት ስምዒታውን ሰባት ዝገበርዎ ተዓዚብና፡ ምናልባት እውን መሲሉና፡ ተነጊሩና ወይ ተመኺርና ንገብሮ ኮይኑ፡ ሓቅነት ወይ ርትዓውነት ናይ'ቲ ንሰባት ተኸቲልና ንገብሮ ውሳኔታት ወይ ባህርያት ቅድሚ ምርዓምና ዝዓየርናሉ ግዜ እንተሎ ግን ውሑድ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ይኹን 'ምበር፡ ቅልጡፍ ውሳኔ ኣብ ዘድልዮ ግዜ፣ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኩነት ዝተገብረ ውሳኔ ከም ተመኩሮ መምርሒ ውሳኔ (rule of thumb) ኮይኑ ስለ ዝሕግዝ፡ ብ ማሕበራዊ መርትዖ ዝግበር ውሳኔ ተመራጺ ይገብሮ።

ንኣብነት ብባህሪና፡ ን ሓንቲ ዕምርቲ ቤት-መግቢ ልዕሊ 'ታ ውሑድ ሰባት ዘለዋ ከም እንመርጽ ኣስተብሂልና ንኸውን ኢና። ሰባት ዝገብርዎ ቅዲ-ባህርያት ወይ ምርጫታት ካብ ውጽኢት ፍልጠቶምን ምሙይ ክእለታቶምን ኢዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ተበጊስና፡ ካብ'ቲ ዘለና መዋጥር ናይ ውሳኔ ንምውጻእ ወይ ብዝሒ ምርጫታት ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ዘይንፈልጦ ውሳኔ ካብ ምውሳን ዝተላዕለ፣ ብዙሕ ሰባት ዘለዎ ቤት መግቢ ምሕራይ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ንረኽቦ። የግዳስ ብልጽነቱ ድሕሪ ኣገልግሎት ምርካብካ ዝረጋገጽ እዩ። ነዚ ኣቐዲምካ ምእማንን ግብራዊ ውሳኔ ምውሳድን ኢና ድማ ማሕበራዊ መርትዖ ኢልና ንጽውዖ። ማሕበራዊ መርትዖ፡ ነቲ ክኸውን ዝግብኦ እንብሎ ሓሳባዊ ማሕበራዊ ጽልዋ (normative social influence) ማለት ንዘይተተግበረ ወይ ሰባት ንኽፈትውኻ ወይ ክድግፉኻ ብምባል ባህርያት ናይ ካልኦት ምርዓም ኣየካትትን። እቲ ን ረኣዩላይ ስምዑለይ ኢልካ ዝግበር ምርዓምስ፡ ምስ ማሕበራዊ መርትዖ ኣይሕሰብን።

ስሩዕ ትንተናታት ማሕበራዊ ፍልጠት ከም ዝሕብሮ፡ ናብ ሓደ ውሳኔ ቀልጢፉ ዘብጽሕ ግን ከኣ ዝንቡዕ ተግባር ክኸውን ከምዝኽእል የረድእ። እቲ ምንታይ ሲ? ኣብ ፍልጠት ውሑዳትን፡ ድሩት ሓብሬታን ብዝተሞርኮሰ ውሳኔታት ዘይብቑዕ ክገብሮ ስለ ዝኽእል።

ማሕበራዊ መርትዖ ጥቕምን ጉድኣትን፡ ከምኡ ድማ ዝተፈላለየ መዓላ (application) ዘለዎ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ን ኣብነት፡ ኣብ ዕዳጋ፣ ስለምንታይ ኢዮም ህቡባት ብራንድ ወይ ትካላት ዝያዳ ህቡብነት ዝረኽቡ፡ በዚ ዝምቡዕነት ክግለጽ ይኽእል። ስለ'ዚ ድማ ኣብ መትከላት ዕዳጋ ብምእታው፡ ተመዝሚዙ ዝያዳ ረብሓ ከም ዝሕለቦ ክንርዳእ ንኽእል። መዓላ ናይ'ዚ ባህርያታዊ ዝምቡዕነት ኪንዮ ኣብ ዕዳጋን ምውዕዋዕን፡ ኣብ ብዙሕ ካልእ ህዝባዊ ጉዳያት ዝርኤ ኮይኑ፣ ከም ኣብ ጅግንነት - ኣብ ሃዳምነት፣ ከም ኣብ ምጽማም/ጽንዓት - ኣብ ምቅዋም፣ ከም ኣብ ሰላም ምፍጣር - ኣብ ህውከት ምጽሕታር፣ ከም ኣብ ፍትሒ - ኣብ ፍትሒ ምጉዕጻጽ፣ ከም ኣብ ምዝንጋዕ - ኣብ ምቕዛን፡ ከም ኣብ ሰሓቕ - ኣብ ነፍሰ-ቅትለት፣ ኮታ ኣብ ኩሉ ኩነት ዘጋጥም ተርእዮና እዩ። ኣዕሚቑና እንተመርሚርናዮ፡ ካብ ሰባት ተመርኲስና ነርእዮ ባህርያት ሒደት ኣይኮነን። ልክዕ ከም'ቲ "ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓዱሽ ነገር የለን" ዝብልዎ፡ ሰብ ዝገበሮ ርኢና ንኽተል ፍጡራት ኢና። ካብ ኮንና ከኣ፣ ነቲ ካብ ሰባት እንወስዶ ሰናይ፡ ስምዒታውን ርትዓውን ትሕዝትኡን ጽልውኡን ኣስተውዒልና ክንርዕሞ ይግባእ።

ብሓፈሻ ኣፍልጦ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት፡ ነተን ኣብ ባህርያት ዜጋታትና ለውጥን ንቕሓትን ንምፍጣር ቀዳምነታት ገይረን ዝብገሳ ማሕበራት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ከም ማሕበራዊ ኣነቛቛሕትን፡ ናይ ለውጢ ሃወርያታትን፡ ንማሕበራዊ መርትዖ ሓዊስካ፡ ብዙሕ ማሕበረ-ፖለቲካዊ፡ ከባብያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ስነ-ልቦናዊ፡ ባህላዊ ለውጢ ንምርዳእ ዝሕግዙ፡ ከምኡ ድማ ንምትንታን ዘኽእሉ ጽንሰ-ሓሳባት (concepts)፡ ፓራዳይማት (paradigms)፡ ሞዴላት (models) ብዕምቆት ምርዳእን ምምርማርን ዘይስገር እዩ። ኣፍልጦና፡ ኣብ ንጽል ሞያ ኮይኑ ከይተርፍ፣ ተማላሊእናን ተወሃሂድናን፡ ንብዙሕ ዓውድታት ዘካትት ሜላ ፍልጠትን (interdisciplinary approach) ብምጥቃም ጥራይ ኢና ናብ ፍታሕ ክንበጽሕ እንኽእል።

ከም'ቲ ብጽልዋ ከማና ዝኣመሰሉን ንፈትዎምን ሰባትን፡ ወለንታዊ ተበግሶናን ተጠቒምና፡ ከም ማሕበር ክንቀውምን ንእወታዊ ሃገራዊ (ወይ ማሕበራዊ) - ዕዮ ዝበቓዕና፡ ብምስትውዓል ኣድማዒ ስራሕ ንምስራሕ፡ ሓይሊ ናይ ከማና ዝኣመሰሉ፡ "ብቑዕ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ስደት ንምፍጣር" ዝተግሁ፡ ዓቕሚ ድማ ዘለዎም ውልቀ-ሰባትን ውዳቤን ኣለሊና ጽምዶ ብምግባር ክንሰርሕ ዝግባእ ይመስለኒ።

ኣብ ተዛማዲ ጽምኣተ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ዘለናሉ እዋን፡ ብጽልዋ ናይ ማሕበራዊ መርትዖ፡ መብዛሕትና ብሓፈሻ (ብፍላጥን ብዘይፍላጥን) ነቲ ውሑዳት ጸለውቲ ዝገብርዎ፡ ቀዲሕና ንገብሮን፡ ርዒምናዮ ንኸይድን ኣለና። እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ ኣቦዋት ኤርትራ ክምስሉ፣ "ካብተን ጸጊበን ዝዕንድራ፣ ይዕንድራ ኣለዋ ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ" ዝብል ገላጺ ምስላ ሓዲጎምልና ኣለዉ። እዚ ምስላ ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ነቲ ባህርያተ-ዕስለ (herd behaviours)፡ ዝገልጽ ወይ ዝሳነ ኮይኑ ንረኽቦ። ማሕበራዊ መርትዖ ናብ ማሕበራዊ ምእዙዝነት ዝዛዙ ዝንቡዕ ውሳኔ ምግባር ወይ እውን ንኻልኦት ሰባት ዝገርዎ ብምሉእ እምነት ቅኑዕ ምዃኑ ኣሚንካ ተግባራቶም ምድጋም የጠቓልል። ብተፈጥሮና ቀዳሕቲን ሰዓብትን ኢና።

ለውጢ በቶም በዳህቲ እያ እትመጽእ። ከም ምሁራት ሞያና ዘሰክመና ሓላፍነት ድማ እቲ ካልእ ወገን ናይ'ቲ ታሪኽ ወይ ሓቂ ክሳብ ዝፍለጥ ምምርማር፡ ንጌጋ፡ ንጎዳኢ ባህርያት፡ ንሓሶትን፡ ንዝምቡዕነትን፡ ብስነፍልጠታዊ መንገዲን ምብህሃልን ምብዳህ። እወ! ብልሂን ነብሰ-ምሉእነት ዘለዎ ሰብ ምዃን። ጌጋ ይኽለኣለይ! ሞያውያን ልክዕ ከም ወትሃደር ተጠራጠርቲ እንተኾኑ ዘድምዑ ይመስለኒ። ፐርከ! "እቲ ኻልእ ሸነኹ" ምባል ፍልጠት ዝወልድ ብልሓትን ስልትን ስለ ዝኾነ።

ንምዝዛም፡ ዕላማ ናይ ስቪካውያንን ማሕበራዊ ትካላትን (social enterprises)፡ ዓቢ ርእየት ዝወለዶ ክኸውን ይኽእል እዩ። እካቤ ናይ ኣብ ትምህርቲን ትካላትን ዝውዕሉ ኣባላት ክሳብ ዝኾና ድማ ረብሓ ምሁራዊ ዓቕሚ ብምጥቃም እወታዊ ለውጢ ከምጽኣ ተኽእሎ ኣለወን። ይኹን እምበር፣ ለውጢ፡ ከይበቓዕኻ ወይ ንበይንኻ ክትበጽሖ እትኽእል ናይ ሓጺር እዋን ዕማም ኣይኮነን። ናብ ራኢ ኣተኲርካ ክንሰርሕ መጀመርያ ክሳብ ክንደይ ንቑሓትና ኢና? ዕላማና ንጹር ድዩ? ኢልካ ምሕታት የድሊ። ብምቕጻል፡ ምስ እቶም ከማና ዝኣመሰሉን፡ ሃናጺ ለውጢ ከምጽኡ ዝጽዕሩን ተደጋጊፍካ ብቑዕ ሕብረተ-ሰብ ክትፈጥር ወይ ከተረጋግጽ ምጽዓር እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ስነ-ፍልጠት ን ትካላዊ መንገዲ ብርሃን ክህብ ዝኽእል እዩ። ስቪካዊ ውዳቤታት ኣብ ዲያስፖራ፡ ከም ማሕበራዊ መርትዖ ዝኣመሰሉ ስዋጠት ናብ ረብሓ ብምውዓል፡ ከም ቁልዒ ናይ ሓዊ ፍልጠት ከፍሕማ፡ ዜጋታት ድማ ከትብዓ ይኽእላ። ከም ውጽኢቱ ድማ ትካላት ናብ ዋላ ዕቤት ክድይባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተስፋን ርእየትን ንሕውየት ማሕበረሰብና ከበስራ ይኽእላ።

ወ-ደሓንኩም!!

ተስፋኣለም!